ቦርድ ተሓከምቲ

ርእይቶታት ከምኡ ድማ ናይ ተቓውሞ ጥርዓናት ዓቢ ትርጕም ክህሉዎም ይኽእል እዩ።

ኣብቲ ማእከል ጥዕና ዘይዓገብካሉ ገለ ነገር ምስ ዘጋጥመካ ርእቶ ወይ ድማ ናይ ተቓውሞ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ዝገብር ድማ ንስኻ ባዕልኻ ከም ሕሙም መጠን ወይ ድማ ከም መቕርብ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ናትካ ርእይቶ ከምኡ ድማ ናይ ተቓውሞ ጥርዓን ነቲ ማእከል ጥዕና ከምኡ ድማ ነቶም ካልኦት ተሓከምቲ ዓቢ ትርጕም ክህሉዎ ይኽእል እዩ። ርእይቶታት ከምኡ ድማ ናይ ተቓውሞ ጥርዓናት ኣብ ምዕባለ ወይ ምምሕያሽ ነገራት ናይቲ ክንክን ጥዕና ዓቢ ኣበርክቶ እዩ ዘሎዎም። ከም ኣብነት ኣቀባብላ፡ ትሕዝቶ ከምኡ ድማ ኣታሕዛ ብዝምልከት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብቐዳምነት ነቲ ንስኻ ወይ ድማ እቲ መቕርብካ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዝረኸብኩሙሉ ማእከል ጥዕና ወይ ድማ መቐበሊ ክሊኒክ ርኸቦ። ብድሕሪኡ ድማ ብሓባር ኴንኩም እንታይ ከም ዘጋጠመ ትፍትሹዎ ማለት ትዘራረቡሉ። ነቲ ትካል ብቐጥታ ክትረኽቡዎ ምስ ዘይትደልዩ ግን ምስቲ ቦርድ ናይ ሕሙማን *ተራኺብኩም ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ ቦርድ ተሓከምቲ ርእይቶታት ከምኡ ድማ ቅሬታታት ኣብ ምቕራብ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

እቲ ቦርድ ተሓከምቲ፡ ኣብ ኩላተን ዞባታት ዝርከብ ዘይሻራዊ ኣካል እዩ። ስለዚ ድማ ናብቲ ኣካል እቲ ርእይቶታትን ቅሬታታትን ንኸቕርቡ ከምኡ ድማ መልሲ ከም ዝረኽቡ ክገብር ይኽእል እዩ።

እቲ ቦርድ ተሓከምቲ ጕዳያት ኣይምርምርን እዩ። እንተ ዀነ ግን ኣብ መንጐኹምን ኣብ መንጐ እቲ ትካልን ከም ኣራኻቢ ኰይኑ ከገልግል ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ተሓከምቲ ቦርድ ሕክምናዊ መርመራታት ኣይገብርን እዩ።

ከምኡ ድማ እቲ ሕክምና ትኽክል ወይ ጌጋ ሰሪሑ ዝብል መርገጺ ኣይሕዝን እዩ። እቲ ሕቶ ናይቲ ጕዳይ ነቶም ኣብቲ ማእከል ጥዕና ዘለዉ ሓለፍቲ ዝምልከት እዩ። እቲ ቦርድ ተሓከምቲ ብዛዕባ ኣብቲ ማእከል ጥዕና ዘሎ መሰላትካ ብዝምልከት ሓበሬታ ወይ መምርሒ ክህበካ ይኽእል እዩ። ምስቲ ቦርድ ተሓከምቲ ኣብ ትራኸበሉ ግዜ ከምኡ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓተ ሓለዋ ጥዕና መን ምዃንካ ክትፍለጥ ምስ ዘይትደሊ ከምኡ ክግበር ይክኣል እዩ።

እቲ ቦርድ ተሓከምቲ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ዞባ ቬስትራ ዮታላንድ ዝርከባ ብዕሊ ገንዘብ ዝስለዓለን ህዝባውያን ትካላት ጥዕና፡ ከም ብዓል ሓለዋ ጥዕና ከምኡ ድማ ክንክን ኣስናን፡ ኮምዩናዊያን ትካላት ክንክን ጥዕና ከምኡ ‘ውን ማእከል ጥዕና ኣብያተ ትምህርቲ ብዝምልከት ርእይቶታት ከምኡ ኸኣ ጥርዓናት ይቕበል እዩ። ኣብ ሽወደን ብዙሓት ቦርድ ተሓከምቲ ኣለዋ። ነቲ ኣብቲ ንስኻ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ትረኽበሉ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ቦርድ ተሓከምቲ ርኸቦ።

ነቲ ቦርድ ተሓከምቲ ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ኢኹም
ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ኣሎኩም

www.vgregion.se/patientnamnden